Episodios

  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (26 መጋቢት 2026)
    Mar 26 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ- ነቲ ኣብ ኢራን ዘለዋ ቀንዲ ዕላማታት ክትበጽሖ ከምዝቐረበት ገሊጻ። ናይ ሱዳን ዕጡቓት ሰራዊት ንህጹጽ ደገፍ (RSF) ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ትርከብ ንከተማ ኩርሙክ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘእተዉዋ ኣፍሊጦም ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ንኢስዋቲኒ ብ 2 ን 0 ስዒራ።
    Más Menos
    9 m
  • ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ብምዃን ኣብ ዶብ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክብል ከሲሱ። (ጸብጻብ)
    Mar 25 2026
    ብቐዳም ዝጀመረ ቀዳማይ' ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ንክልተ ዓበይቲ ንጥፈታት ቆላሕታ ሂቡ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መምህራንን ተምሃሮን ምቁራጽ ደመወዝ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፤ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ክግበር ድማ ጸዊዖም። ሕብረት_ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ_ኣፍሪቃን ቀይሕ_ባሕርን ገይሩ ሸይሙ። ኪዳን ሓሙሽተ ተቃወምቲ ሰልፍታት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገም" ከምዘሎን "ንመረጻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ" ከምዝኾነን ገሊጹ። ሱዳናዊ ዕጡቓት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ኩርሙክ ከም ዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ። ሓደ ሓላፊ ክፍለ-ግዝኣት ሱዳን ብወገኑ ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ብምዃን ኣብ ዶብ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክብል ከሲሱ።
    Más Menos
    8 m
  • "ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ።" ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓጸርርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (25 መጋቢት 2026)
    Mar 25 2026
    ** ኢራን ክቡር ህያብ ሂባትኒ ኣላ ክብል ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ። ** ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውግእ ዘሕደሮ ጽልዋ ምላሽ ንምሃብ ፡ ፊሊፒንስ ሃገራዊ ህጹጽ ኩነታት ጸዓት ኣዊጃ። ** ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሜክሲኮ ናብ ኩባ ኣምሪሓ ።
    Más Menos
    5 m
  • "ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ህዝቢ ኣብ ሓዘንን ምጽንናዕን ዘርእዮ ዘሎ ምትሕብባር፡ ሓድሽ ምዕራፍ ሓድነት ዘመልክት እዩ።" ኣቶ ፍቕር ረታ (ራያ)
    Mar 24 2026
    ማሕበረሰብ መልበርን ብምኽንያት ዕረፍቲ ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ። ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኣቶ ፍቕረ ረታ (ራያ) ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከብ ኣባል ኩሉ ማሕበረሰብባት ኣብ ምብጻሕ ሓዘን፡ ኣብ ምጽንናዕ ብዘይ ኣፈላላይ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ሞጒሱ። እዚ ምትሕብባርን ምድንጋጽን ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝያዳ ሓይሉ ከምዝተራእየን ምስክሩ ገሊጹ ኣሎ። ወ/ሮ ወርቅነሽ ጥላሁን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ት ኣቱ ክልተ ዓመት'ኳ እንተገበረት ብዝሓደራ ሕማም ካንሰር ኣብ ን ኡስ ዕድሚኣ ክልተ ቖልዑ (ማንታ) ገዲፋ ዓሪፋ። ስነ ስርዓት ቀብራ ድማ ኣብ ወረቢ ንዕለት 28 መጋቢት 2026 ክፍጸም እዩ።
    Más Menos
    18 m
  • How to buy Indigenous art and craft ethically in Australia - ስነ ምግባር ዘለዎ ኣገባብ ምዕዳግ ስርሓት ስነ ጥበብ ደቀባት፡
    Mar 24 2026
    Buying Aboriginal and Torres Strait Islander art can be meaningful, but how do you know if it's real and ethical? Fake art is still a problem in Australia, and protections are still developing. This guide helps you understand what to look for, what questions to ask, and where to buy safely. By choosing carefully, you can support First Nations artists and their communities. - ስነ-ጥበብ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትራት ኣይላንደርን ምዕዳግ ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ፡ እዚ ኣተዓዳድጋ ሓቀኛን ስነ-ምግባራውን እንተኾይኑ ግን ብኸመይ ትፈልጥ ? ናይ ሓሶት ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ገና ኣብ ኣውስትራሊያ ጸገም እዩ ዘሎ ፡ ገና ውን መከላኸሊታት ኣይተገብረሎምን ዘሎ ። እዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ እንታይ ከም እትደሊ ፡ እንታይ ሕቶታት ከም እትሓትት ፡ ኣበይን ብኸመይን ብጥንቃቐ ከም እትዕድግ ዝሕግዝ እዩ ። ተጠንቒቕካ ብምምራጽ ፡ ንቐዳሞት ስነ-ጥበበኛታት ሃገራትን ንማሕበረሰቦምን ክትድግፍ ትኽእል ኢኻ ።
    Más Menos
    7 m
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (24 መጋቢት 2026)
    Mar 24 2026
    **ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ዝዝጀመረ ይገልጽ፡ እስራኤል ግና ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን መጥቅዕታ ከምትቕጽል ተፍልጥ። ** ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ስምምዕ ነጻ ንግዲ ይኽተም... ** ምምዝጋብ ካብዝጅመረሉ ኣትሒዙ ካብ 2015-2025 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ፡እቲ ዝወዓየ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተፈሊጡ ።
    Más Menos
    5 m
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026)
    Mar 23 2026
    ን ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል ገሊጹ። ህወሓት መናእሰይ መስርዕ ክመልኡ፣ ክዕለሙን ክዕጠቑን ፀዊዑ። ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ናይ 6 ከተማታት ሰበስልጣን ብዕጡቓት ተቐቲሎም። ኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:
    Más Menos
    45 m
  • "ንመጻብቦ ኩርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዎ'የ።" ኢራን፡ ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026)
    Mar 23 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ኣውስትራሊያ [ANIC] ብ ኣባል ሰልፊ ዋን ኔሽን ዝኾነ ኣባል ፓርላማ-በርናቢ ጆይስ ንዝሃቦ ርእይቶታት ኮኒኑዎ። እቲ ብእስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ወራር ከም ዝፍጸም ዝሕብር ምዃኑ ፕረዚደንት ሊባኖስ ዝነበረ ጆሴፍ ኣውን ገሊጹ ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ዝተካየደ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን እንተ ወሓደ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሓደ መንበር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ:
    Más Menos
    9 m