Episodios

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025)
    Aug 14 2025
    ንሎሚ ሓሙስ 14 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እዚ ቕንያት ኣብ ትግራይን ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ጎራዙት ዘዘውትራኦ ባህላዊ ጸወታት “ኣሸንዳ” ዘዘውትራሉ ቅነ እዩ። ነዚ ዘንጸባርቕ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ። ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ፡ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ ትራምፕ-ፑቲን ፡ ኣብ በርሊን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ዝወሰደቶ ቕዋም ብዛዕባ ኣፍልጦ መንግስቲ ፍልስጤም ፡ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ገሊጹ ። ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጣልያን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃላባ ሎሚ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ምስ በጸሐት ብምግምጣላ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት ደርዘን ዝዀኑ ከም ዝጠፍኡን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ገሊጾም ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ጸብጺቡ።
    Más Menos
    49 m
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2025)
    Aug 14 2025
    ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ዋዕላ ትራምፕ-ፑቲን ፡ ኣብ በርሊን ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ዝወሰደቶ ቕዋም ብዛዕባ ኣፍልጦ መንግስቲ ፍልስጤም ፡ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ገሊጹ ። ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጣልያን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃላባ ሎሚ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ምስ በጸሐት ብምግምጣላ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት ደርዘን ዝዀኑ ከም ዝጠፍኡን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ገሊጾም ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ጸብጺቡ።
    Más Menos
    11 m
  • "ኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ኣሎ።" ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ
    Aug 13 2025
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ። ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌጃንድሮ ኤስቲቪል መቐለ ኣትዩ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውንኣብ ኢትዮጵያ "ኢደወነናዊ ቅትለት"ን "ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን" ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ።
    Más Menos
    8 m
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ነሓሰ 2025)
    Aug 13 2025
    ** ማዕከን ገንዘብ ከምቲ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ወግዓዊ መጠን ወለድ ብ 0.25 ሚእታዊ ኣጉድልዎ ።... ** ኣውስትራሊያ ትርከበን 23 ሃገራትን ረዲኤት ናብ ቓዛ ብዘገደብ ክ ኣቱን ቅልውላው ጥምየት ቓዛ ከብቅዕን ንእስራኤአል ሓቲተን። ** ኣብ ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።.
    Más Menos
    6 m
  • A beginner’s guide to owning a pet in Australia - ምኽሪ ንሓደስቲ ወነንቲ ገዛ እንስሳ
    Aug 12 2025
    Bringing a pet into your home can fill it with joy and companionship – but it also comes with important responsibilities. In Australia, new pet owners need to be aware of legal requirements, along with essential tips for training and caring for their animals. - ናይ ገዛ እንስሳ ወይ ፐት ንብዙሓት ፍቑር ክፍሊ ናይ ህይወቶም እዩ ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዳርጋ ክልተ ካብ ሰለስተ ስድራቤታት ናይ ገዛ እንስሳ ዝውንኑ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ወኒንኩም ዘይትፈልጡ እንተ ዄንኩም ግና ፡ ብዛዕባ ትውንኖም እንስሳታት ገለ ኣገዳሲ ዝርዝራት ዕሽሽ ክትብሎ ቀሊል እዩ። ኣብዚ መደብ ካብ ሕጋዊ ግዴታታት ክሳብ መዓልታዊ ክንክን ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ነፍስወከፍ ሓድሽ ወናኒ እንስሳ ገዛ ክፈልጦ ዘለዎ ነገራት ክግለጽ እዩ ።
    Más Menos
    9 m
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ነሓሰ 2025)
    Aug 12 2025
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ንመንግስቲ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ከምዝህብ ምስ ኣወጀ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ንጉዳይ ድሕነቶም ክሓስብሉ ሓቲቶም። ** ሓደ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ምስተቐትለ ኣብ ምዕራብ ባንክ ዓቢ ስላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ** ዶናልድ ትራምፕ ንዋሽንግተን ዲሲ 'ሓራ ንምውጻእ' ሃገራዊ ሓለዋ ከምዘዋፍር ኣፍሊጡ።..
    Más Menos
    5 m
  • ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025)
    Aug 11 2025
    ን ሎሚ 11 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበሩ 15 ኤርትራውያን ድሒኖም። ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዕዉት ጎሮሮ ሓራጅ ብ መዓንጣ ናይ ምትካእ መጥባሕቲ አሳሊጡ። ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክባት ብዝምልከት ንፈለማ ዕላዊ ርእይቶ ሂቡ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት ብምቕስቃስ ግጭት ከሲሱ። ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ኢጣልያ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝመሰጦ፡ ዝተሰምዖን ምስ ሃገሩ ጥልያን ዘሎ ምትእስሳርን ፍልልይን ገሊጹልና ኣሎ። ምስ ጋዜጠኛ ዳርዮ ዝገበርናዮ ዕላል ብሓሙስ ዝጀመርናዮ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ክሪስቶፈር ንምርኻብ ናብ ኒው ዚላንድ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሶማሊላንድ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘቕረበቶ ሕቶ ፡ ቀጻሊ ምይይጥይግበረሉ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ብህጹጽ ከም ዝውዳእ ዝገለጾ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም እተዘራረበ ገሊጹ ።
    Más Menos
    49 m
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ነሓሰ 2025)
    Aug 11 2025
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒው ዚላንድ ክሪስቶፈር ንምርኻብ ናብ ኒው ዚላንድ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ። ፕረዚደንት ትራምፕ ሶማሊላንድ ተፈላጥነት ንምርካብ ዘቕረበቶ ሕቶ ፡ ቀጻሊ ምይይጥይግበረሉ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ብህጹጽ ከም ዝውዳእ ዝገለጾ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም እተዘራረበ ገሊጹ ።
    Más Menos
    15 m