SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ Podcast Por SBS arte de portada

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

De: SBS
Escúchala gratis

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።Copyright 2025, Special Broadcasting Services Ciencias Sociales Política y Gobierno
Episodios
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026)
    Apr 6 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ናይ በዓል ትንሳኤ ሰንበት መልእኽቶም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ዘሎ ኲናት ኮኒኖም ። ሚኒስተር ባህሊ ኢራን ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ዘይርጉእን ዝተሓዋወሶ ፍጥረትን" ብምባል ፡ ነቲ እቲ ፕረሲደንት ዘፈራርሖ መልሲ ሂብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራሊያ ሞት ዘስዓበ ከቢድ ሓደጋ መኻይንድሕሪ ምግጣሙ፡ ተሽከርከርቲ ኣብ መገዲ ኺጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ይውሃብ ኣሎ ።
    Más Menos
    10 m
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026)
    Apr 6 2026
    ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል ከነቕርብ ኢና። መንግስቲ መወዓውዒታት ቁማር ዝኽልክል ሕጊ ኣውጺኡ፣ ኣኻሊ ድዩ ግን፧።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ልዕሊ 700 ኤርትራውያንኣብ ከተማ ሸራሮ ተረኺቦም" መንግስታዊ ቴሌቪዥን ዘመነ ስልጣኑ ዝዛዘም ዘሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዑ ኣብ ዓሰብ - ንኣባላት ባይቶን ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣስትምህሮ ተዋሂቡ ቦርድ ምርጫ ን7ይ ሃገራዊ ምርጫ ዝሓዞ ግዜ ምዝገባ መረጽቲ ኣናዊሑ። ስዑዲ ዓረብ፡ ንወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ሓዊሱ ምስ 17 ዞባዊን ኣህጉራዊን መባጽሖ ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረት ተገሊጹ ኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ናይ በዓል ትንሳኤ ሰንበት መልእኽቶም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚግበር ዘሎ ኲናት ኮኒኖም ። ሚኒስተር ባህሊ ኢራን ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ዘይርጉእን ዝተሓዋወሶ ፍጥረትን" ብምባል ፡ ነቲ እቲ ፕረሲደንት ዘፈራርሖ መልሲ ሂብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ጽርግያታት ኣውስትራሊያ ሞት ዘስዓበ ከቢድ ሓደጋ መኻይንድሕሪ ምግጣሙ፡ ተሽከርከርቲ ኣብ መገዲ ኺጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ይውሃብ ኣሎ ።
    Más Menos
    51 m
  • "ትፍንን ዝመለለይኡ ፖሎቲካ፡ ኣብ ክንዲ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ሻራዊ ፖሎቲካ ዝተመስረተ ዓወታት ጥራይ እዩ ዘጸምብል።" 2ይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ ሰመረ ሶሎሞን
    Apr 6 2026
    ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣቶ ሰመረ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ናይ መወዳእታ ክፋል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
    Más Menos
    19 m
Todavía no hay opiniones